top of page
Search

How to reset your PC ከመይ ገርና ኮምፕዩተር ረሰት ንገብሮ

  • eritechnology
  • Dec 30, 2016
  • 1 min read

ኮምፕዩተር ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ምጥቓም ስርሑ እንዳ ከበደ ይኸይድ ናይ ብዝሒ ጽዕነት ድዩ ወይ ብዝሒ ፕሮግራም ንፍሉይ ግዜ ክንሰርሓሎ ኣውሪድና ዘይ ኣለናዮ ወይ ዝይንፈልጦ ፕሮግራም ኣስሪሕና ኮምፕዩተር ከም ቀደሙ ምስራሕ ኣብዩና, ወዘተ.. ከምዚ ከጓነፈና ከሎ ረሰት ክንገብሮ ኣለና . ከመይ ገርና ረሰት ንገብር እዚ ዝስዕብ ሰእልታት ንከታተል.

1. Go to Setting ናብ ሰትንግ ንኸይድ

2. Update &Security ትብል ንሃርም.

3. ድሕሪኡ Recovery ትብል ክሊክ ንብላ.

ድሕሪኡ ሓድሽ ገጽ ሰለስተ ምሪጫታት ክወጸልና እዩ።

a. ብዙሕ ጸገማት እንተ ዘይብሉ፣ፋይላትካ(ደርፊታት፣ቪድዮታት(C )ከይ ደምሰስካ ክትሕድሶ እንተ ደሊኻ እዛ ቕዳመይቲ ምረጽ.

b. ኖኖ ከም ካብ ፋብሪካ ዝወጸሉ ክትመልሶ እንተ ደሊኻ እዛ ካልኣይቲ ምረጽ.

እቲ ዘድልየካ ፋይላት ናብቲ ካልኣይ ፓርተሸን(D )ወይ ናብ ፍላሽ ክተስግሮ ትኽእል.

c. ናይ ውንዶዝ ዲቪዲ (DVD )ወይ ዩአቢ (USB ) እንተ ሃሊዩካ ግን ብኡ ገርካ ብጣቕላላ ፎርማት , ኩሉ ነገር ከም ሓድሽ ትመልሶ ትኽእል ፣ቐሩብ ፊልጠት እንተ ዘይሃለዩካ እዛ ሳልሰይቲ ኣይ ትቕረባ።

4. እቲ ዘድልየና ምስ ወሰና Get Started ወይ Restart now ጠውቕና አቲ ዝስዕብ ሓበረታ ንከታተል.

a ወይ b እንተ መሪጽና ከምዛ ላዕሊ ዘላ, አቲ ፋይላት የድልየና እንተ ኮይኑ ይሓተና, እሞ ሓንቲ ካብአን ንጥውቕ.

5. ናይ መወዳእታ ኣብ reset ክልክ ገርና ስርሑ ክጅም እዩ .

ነዊሕ ግዜ ስለ ዝወስድ፣ፓተሪ( Battery) መሊኣ እንተ ዝይኮነት ኣብ ሞንጎ ከይቛሪጽ ቻርጀር ኣስርና ካብ ርሑቕ እንዳ ተዓዘብና ሰርሑ ክውድእ እዩ .

(እዚ ዝሓልፈ ዘረባ ብዛዕባ ውንዶዝ 10 ክኸውን ከሎ ልክዕ ምስ ውንዶዝ 8 ሓደ እዩ.)።

ወደሓንኩም ......

Eri.Tech

Lubak

 
 
 

Commentaires


Featured Posts
Recent Posts
Archive
Search By Tags
Follow Us
  • Facebook Basic Square
  • Twitter Basic Square
  • Google+ Basic Square
Eri Tech For begineers 2017
bottom of page