top of page
Search

ሞባይል ኦርጅናል(Original) ድዩ ወይስ ፈክ(Fake) !!??

  • eritechnology
  • Jan 3, 2017
  • 1 min read

ሞባይላት ከመይ ገርና ኦርጅናል ድዩ ወይስ ፈክ ንፈልጥ? ንኸምዚ መርመራ ከኣ ብ(IMEI) ዝፍለጥ ቑጽሪ ወይ ኮድ እና ንጥቕም ግን እንታይ እዩ እዚ IMEI? IMEI : International Mobile Equipments Identity. ዝኾነ ሰብ ፍሉይ ቑጽሪ መንነት ኣለዎ ፣እዚ ውን ልክዕ ቑጽሪ መንነት ናይ ሞባይል እዩ፣በዚ ቑጽሪ ገርና ምሉእ ሓበረታ ናይታ ሞባይል ከም፣ ዝተሰርሓሉ ሃገር ዕለት ብጠቕላላ ምሉእ እንፎርመሸን ናይ ሞባል ይህብ

ፈለማ እዚ (IMEI) ናይታ ሞባይ ክንፈልጦ ኣለና,ከመይ ገይረ ክፈልጦ ይኽእል ንዝብል ሕቶ ከኣ፣ 1/ ኣብ ትሕቲ ባተሪ ጽሕፍ ስለ ዝኾነ ኣውጽእካ ትቐድሖ

2/ ከምኡ ውን ኣብታ ባኮ ናይ ሞባይል ካብፋብሪካ ዝወጸትላ ውን ጽሑፍ ትረኽቦ.

3/ ሳልሳይ መንገዲ ከኣ ኣብ ሞባይል ነዚ ኮድ *#06# ምስ ጸሓፍካ ይወጸልካ.

ሕጂ ኣብቲ ባኮ ዘሎን ኣብ ውሽጢ ሞባይል ትሕቲ ባተሪ ዘሎን ከምኡ ውን በቲ ኮድ ጽሕፍና ዝወጸልና ሰለስትኦም ሓደ ቑጽሪ እንተ ኮይኑ እዚ ሞባይልካ ኦርጅናል እዩ፣ ሓደ ካብአን እንተ ተፈላልዩ ሸዓ ሞባይልካ ዳርጋ ፈክ ክኸውን እዩ፣ እቲ ካልእ ሓበረታ ክንፈልጥ እንተደሊና ነዚ ወብሳይት ከፊትና IMEI,፣

ጽሕፍና checkገርና ኩሉ ክንፈልጥ ንኽእል Click here

ምልክታ

እዚ ዝሓልፈ ዘረባ ንኣንድሮይድ ብፍላይ ከኣ ሳምሶንግ ሞባይላት እዩ ዝምልከት።

ብዛዕባ ኣይፎን (iPhone) እንተ ኮይኑ ብሰርያል ናብምበር(serial number) ናተን ገርካ እኻ ቸክ ክትገብር ትክእል ።

ሰርያል ናምበር ከኣ ከምዚ ገርና ነውጾ :-

"Settings," --> "General" --> "About." ታሕቲ ወሪድካ ከኣ "Serial Number," ድሕሪኡ ኣብ ወረቐት መዝግብና ናይ ኣፕል ፐጅ ከፊትና ኣብኡ ንጽሕፎ እሞ (warranty period ) ይሰሪሕ እንተ ዘይኮኑ ሶሪ ደግምካ ቸክ ግበር እዚ ሰርያል ኣይሰሪሕን ዝብል መላኣክቲ ይመጸካ; ንሱ ከኣ ኦርጅናል ከምዘይኮነ ክንሪዳእ ኣለና.

ክትፍትን አንተ ደሊኻ ድሕሪ ሰርያል ናምበር ምፍላት ኣብዚ ልንክ እተው .click here

Eri.Tech Lubak

 
 
 

Comments


Featured Posts
Recent Posts
Archive
Search By Tags
Follow Us
  • Facebook Basic Square
  • Twitter Basic Square
  • Google+ Basic Square
Eri Tech For begineers 2017
bottom of page