ግዝያዊ እመላት Temporary mails
- eritechnology
- Jan 14, 2017
- 2 min read

ግዝያዊ ኢሜላት Temporary Emails ንፍሉይ መዓልታት ወይ ሰዓታት ዘገልግል ኢሜል ካብዘን ዝስዕባ ወብ ሳይታት ክንረክብ ንኽእል።
ንሱ ድማ ብሰንኪ ሰኩሪቲ ኮይኑ ድዩ ወይ ካልእ ምኽንያት ኣገዳሲ መልኣኽቲ ክትመሕላለፈሉ ትኽእል ወይ ሓደ ሓድሽ ዘይ ትፈልጦ ክትፍትን እንተ ደሊኻ ሓንቲ ካብ ዘን ዝስዕባ ግዝያዊ ኢሜላት ገርካ ንምፍታን እምበር ንምትላል እለ ዘውረድኩዎ እዩ።
እዘን ዝስዕባ ውሑድ ካብ ኣማእት መዓልታዊ ዝሪኣ ግዝያዊ ኢ ሜል ኣገልግሎት ዝህባ እየን።
1- yopmail


ኣብዚ ወብ ሳይት ድማ ተዳልወ ኢሜል ትረክብ፣ ግን ድሕሪ 45 ደቒቕ እንተበዝሐ ድማ ድሕሪ ሰዓት ባዕሉ
ይዓንው ። እዚ የማን ዘሎ ሊንክ ናብኡ ይመሪሕ ።
...................................................................
2 - get AIR MAIL

እዚ ድማ ነቲ ቐንዲ ኢሜል ናትና ካብ spam ከነድሕን ፣ ወይ ኣብ ግዜ ምፍታን ምስ ንኸውን ንዝኾነ ወብ መድያ ወይ ኣብሊከሸን ንክንጥቕመሉ፣ ድሕሪ ምትእምማን ከኣበቲ ቐንዲ ኢሜል ናትካ ክትምዝገብ ትኽእል። ስለዚ ንዚ ስዕብ ምክንያታት እና ከምዚ ዓይነት ስራሕ ንገብር። 1- እቲ ቐንዲ ኢሜልካ ካብ ስልያ( Spam ) ምድሓን. 2- ካብ ዘይተኣምኖም ወይ ዘይትፈልጦም ሰባት ኢሜልካ ምሽፋን( ናይ ግድን ክትጽሕፈሎም ምስ እትግደድ). 3፡ ሰኩሪቲ ናትካ ይሕልው,ኣይፒ(ቑጽሪ ኣገልጋሊ እንተርነት ናትካ IP),ወይ ኢንፎርመሸን ብዛዕባ እቲ ናትካ ብራውዘር(browser) , ምኽንያቱ በቲ ip ናትካ ዝኾነ ሰብ ምሉእ እንፎርመሸን ናትካ ከም ቦታ ስፍራካ ሃገረ ከተማ ክሳብ ገዛካ ክብጻሕ ይኽእል። ምናልባት ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ጠቕሚ ip ከምኡ ውን ሳዕበናቱ ኣስፊሐ ክገልጸልኩም መደብ ኣለኒ። ተረፈ ኣብቲ ወብ ምስ እትኣትዉ መብረሂ ብዛዕባ ጠቕምታቱ ኣሎ።
ልንክ ናይዚ ወብ ድማ ኣብዚ ኣለኩም።
...................................................................
3 - Mailinator
እዚ ወብ ውን ግዝያዊ ኣገልግሎት ይህብ, ግን ቕሩብ ንውሕ ዝበለ ግዜ ካብ ሓደ መ ዓልቲ ክሳብ ወርሒ ክበጽሕ ይኽል, ዝተዳለወ ኢሜል ዘይኮነ መፍለጢካ( ID) ክትሓሪ ዕድል ኣለዎ። ንኣብነት sergio እንተ ደልየ ከምዚ sergio@mailinator.com ክኸውን ዩ። እዚ ወብ ድማ በዚ ዝስዕብ ልንክ ክንከፍቶ ንኽእል። free public e- mail

...................................................................
4 - stop my spam
እዚ ውን ከምቲ ዝሓልፈ ግዝያዊ ኢሜል ኣገልግሎት ዝህብ እዩ። stop-my-spam

ከምቲ ኣብ መጀመርታ ዝጠቐስኩዎ ካልእ ብዙሕ ኣሎ , ኣብ ጎግል ደሊና ንረክቦም ።

ወ ደሓንኩም
Eri.Tech
Lubak
Comments