ደብዳበትካ ኣብ ቫይበር ( Hide this chat )
- eritechnology
- Jan 14, 2017
- 1 min read

ኣብ ቫይበር ኣብ ሞንጋኻን ኣብ ሞንጎ ዝኾነ ሓደ ብጾይካ ልኡኽ ወይ ቻት ዝገበርካዮ ክትድምስሶ ኣይደለኻን፣ካልእ ሰብ ክሪእዮ ምስ ዘይትደሊ ፕን ኮድ ገርካ ካልእ ከኸፍቶ ከም ዘይ ክእል ብቐሊል ክትገብሮ ትኽእል
1/ ፈለማ ቫይበር ከፊት እቲ ንደልዮ ሽም ንከፊት
ንኣብነት ናይ Mr.X ልኡኽ ከም ምስጥር ክንገብሮ እንተ ደሊና ፣ኣብቲ ሽሙ ንሃሪም(ክሊክ).
2/ ድሕሪኡ ኣብተን ሰለስተ ነጥቢ የማን ዘለዋ(menu) ክሊክ ንገብር.

3/ ኣብቲ ላዕሊ ክሊክ ድሕሪ ምግባርና ሊስት ይወጸልና እሞ ን Chat info ንሃሪም

4/ ስዒቡ ከኣ እዛ ታሕቲ ዘላ ገጽ ምስ መጸት ኣብቲ HIDE THIS CHAT ዝብል ንሃሪም

እንተ ኣስተባህልኩም ኣብዛ ላዕሊ ዘላ ስእሊ እቲ ጽሕፍ ብጣቕላላ ክንድምስሶ ወይ እዚ ሰብ ኣይ ደለናዮን ብሎክ ክንገብሮ እንተ ደሊና ኣብታ( DELETE THIS CHAT) ወይ (BLOCK THIS CONTACT ) ትብል ንሃሪም.
5/ ብከምዚ ዝኾነ ሰብ ምስ Mr.X ዝተለዋወጥኩው መሰጃት ክከፍቶ ኣይክእሊን, ኣነ ባዕለይ እቲ ዝመረጽኩዎ ኮድ እንተ ዘይገብር ውን ኣይወጸለይን.

6/ ቫይበር ዓጺና ከም ብሓድሽ እዚ ዝገበርናዮ ክንፍትን ምስ እንደሊ ኣብቲ ሽም Mr.X ድሕሪ ምህራም ልክዕ ከምታ ላዕሊ ዘላ ገጽ ትመጸና እሞ ኮድ ምስ እንእቱ ይከፈት ማለት እዩ.
ናይ ሎሚ ኣብዚ ወድእና ኣለና ፣ዳግማይ ክሳብ ንራከብ ሰላም.
(ሓሳብ ፊልሞን ዓርከይ..thanks)
Eri.Tech
Lubak
Comments